Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ኣንካራ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ኣውጊዛ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ኣንካራ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ከምእተውግዝ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ቱርኪ ኣንካራ ኣብ ዝርከብ ኤርስፔስ ኢንዱትስትሪ ብምኽኒያት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ሰባት ምሟቶም ዝተሰመዓ ሓዘን ገሊፃ።

ግዳይ እቲ መጥቃዕቲ ንዝኾኑ ሰባትምን ስድረኦምን፣ ንህዝቢን መንግስቲን ቱርኪ ምፅንዕናዕ ተመኒያ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ የውግዝ ዝበለ እቲ መግለፂ፥ ቱርኪ ንግብረ ራዕዲታት ንምቅላስ ኣብ እትገብሮ ፃዕሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጎድና ደው ከምዝብል ኣረጋጊፃ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.