Fana: At a Speed of Life!

‘MI6’ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ምትሕብባር ከምዘጠናኽር ኣረጋጊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)‘ሴክሬት ኢንተለጀንስ ሰርቪስ (MI6) ብሪታኒያ’ ምስ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ኩለመዳይ ምትሕብባር ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፁ፡፡

ላዕለዎት ኣመራርሓ ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን ልኡኽ ‘ሴክሬት ኢንተለጀንስ ሰርቪስ (MI6)’ ብሪታኒያን ብብርኪ ትካላት ኣብ ዝውገኑ ክልተኣዊ፣ ዞባዊ፣ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻኻ ጉዳያት ጠሚቶም ተዛቲዮም፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ኣብ ዞባዊ፣ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻኻ ጉዳያት ብፍላይ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ቀይሕ ባሕሪ፣ ግብረ ራዕዲ፣ ዶብ ዘለለ ገበናትን ዝውውር ዘይሕጋዊ ሰባትን ብሓባር ንምክልኻል ኣብ ዝግበሩ ተግባራት ልውውጥ ሓበሬታ ትኹረት ገይሮም፡፡

ምክትል ዳይሬክተር ጀነራል እቲ ኣገልግሎት ሲሳይ ቶላ ከምዝበሉዎ÷ ኢትዮጵያ ተበፃሕነት በሪ ባሕሪ ንኽህልዋ ዝጀመረቶ ምንቅስቓስ ሓደ ሓደ ኣካላት ኮነ ኢሎም ናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳ ንምጥቃም እናፈተኑ ይርከቡ፡፡

እዚ ድማ እቲ ዞባ ንኸይረጋጋእን ዘላቐ ሰላም ከይዓስል ኣሉታዊ ፅዕንቶ እናበርከተ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ክልቲኦም ትካላት ርክቦም ኣብቲ ዞባ እናዓበየ ምስ ዝርከብ ሓዱሽ ኩነታት ክጠዓዓም ብሓባር ምስራሕ የድሊ ኢሎም፡፡

ምስ ‘ሴክሬት ኢንተለጀንስ ሰርቪስ (MI6)’ ብሪታኒያ ዘሎ ምትሕብባር ናብ ዝለዓለ ደረጃ ምስግጋርን ምጥንኻርን የድሊ ምባሎም እቲ ኣገልግሎት ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዝለኣኾ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ሓላፊ ‘ሴክሬት ኢንተለጀንስ ሰርቪስ (MI6)’ ብሪታኒያ ሪቻርድ ፒተር ሙር ብግደኦም÷ ኢትዮጵያ ብዘለዋ ስትራቴጂካዊ ረብሓን ፅዕንቶን ፈጣራይነትን ኣብ ዞባዊ፣ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ጉዳያት ምትሕብባረን ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም፡፡

ብመሰረት እዚ ትካሎም ኣብ ድሕንነትን ጉዳያት ፀፅታን እናገበሮ ዝርከብ ልውውጥ ሓበሬታ ከምዝቕፅል ኣመልኪቶም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.