Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ሰሙን 3 መዓልቲ ናብ ሞንሮቪያ ንምብራር እንደተሰናደአ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ 21 ሕዳር 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ሰሙን 3 መዓልቲ ናብ ላይቤሪያ ሞንሮቪያ ኣገልግሎት በረራ መገደኛታት ከምዝጅምር ኣፍሊጡ።

እቲ መገዲ ኣየር ናብ ሞንሮቪያ ኣብ ሰሙን ሰለስተ መዓልቲ ምብራሩ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪካ ዘለዎ ርክብ ከምዘደንፍዖ ገሊፁ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪካን ከባቢኡን ኣብ ኢኮኖሚ ዕቤት  ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክት ምግላፁ ካብቲ መገዲ ኣየር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.