Fana: At a Speed of Life!

ዘይስሩዕ ዝናብን ወራር ባልዓትን ቀንዲ ፈተናታት መፍረያይነት ሕርሻ ትግራይ ከምዝኾኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘይስሩዕ ዝናብ፣ ወራር ባልዓትን ሕማማትን ቀንዲ ፈተናታት መፍረያይነት ሕርሻ 2016/17 ዓ.ም ምኳኖም ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ኣለምብርሃን ሃሪፈዮ ህልዊ ኩነታ ዘራእቲ ትግራይ ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም።

እቶም ሓላፊ ኣብ መግለፂኦም ኣብዚ ዘበነ ምህርቲ 48 ሚኢታዊ ተሓራሲ መሬት ጥራሕ ከምዝተዘርአ ገሊፆም።

ኣብዚ ዓመት ዝሐሸ ተስፋ ዘለዎ ፍርያት ዝራእቲ ከምዘሎ ብምሕባር÷ ከጋጥሙ ዝኽእሉ እዋናዊ ሓደጋታት ኣብ ግምት ብምእታው ሓረስታይ ትግራይ ምህርቱ ለይትን ቀትርን ኢሉ ተወዲቡ ብምዕፃድ ልዑል ጥንቃቐን ርብርብን ክገብር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ንኣደታት፤ ጉዱኣት ኣካልን ካልኦት ፅጉማት ወገናትን ኣብ ወፍሪ ዓፂድ በቐዳምነት ክሕገዙ ከምዝግባእ እውን ኣብሪሆም።

ኣብ ዝራእቲ ክበፅሕ ዝኽእል ተፍጥሮኣዊ ሓደጋ ባልዓትን ምኽሳት ዘይስሩዕ ዝናብን ንምንካይ ተዋዲድካ ምስራሕ ከምዘድሊ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ዘመነ 2016/2017 ዓ.ም ድኹዒን ሙሩፅ ዘርኢን ኣብ ምጥቃም ዝንኣድ ስራሕቲ ከም ዝተሰርሑ ብምግላፅ፤ “ዘይስሩዕ ዝናብ፣ ወራር ባልዓትን ሕማማትን፣ ዘይሕጋዊ ምጉሕጓሕ መዓድናትን ሓደጋታት ትግራይ እዮም” ኢሎም።

ሓረስታይ ትግራይ ኣጋጣምታትን ፀጋታትን ናብ ዕድል ብምቕያር ቁጠባዊ ዓቕሙ ንምጉልባት ድሕሪ ምእካብ ዘራእቲ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት መስኖ ብትኹረት ንኽነጥፍ ፃውዒቶም ኣቕሪቦም፡፡

ኣድለይቲ ዝበሃሉ እታወታት ሕርሻ ቀረብ ከም ዝግበር እውን ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.