Fana: At a Speed of Life!

ሰብ ሃፍቲ ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኢንቨስትመንት ቱሪዝም ንኽዋፈሩ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰብ ሃፍቲ ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኢንቨስትመንት ቱሪዝምን ካልኦት ኣማራፂታት ቢዝነስን  ንኽዋፈሩ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጃፓን ዳባ ደበሌ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብኣሰናዳእነት ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጃፓን መስሕባት ቱሪስት ኢትዮጵያ ዘፋልጥ መድረኽ ተኻይዱ።

ኣብቲ እዋን ብዛዕባ ሃፍቲ ቱሪዝምን መብፅሒታት ቱሪዝምን ኢትዮጵያ ገለፃ ዝገበሩ ኣምባሳደር ዳባ ደበሌ÷ ጃፓናዊያን ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስትመንት ቱሪዝም ካልኦት ኣማራፂታት ቢዝነስን ንኽዋፈሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣፍሪካ ምስ ጃፓን ብቐጥታ ዘራኹብ ብሕታዊ መገዲ ኣየር ከምዝኾነ ብምፅራሕ፤ ጃፓናዊያን ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ንምጉብናይ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብቲ መድረኽ ኣምባሳዳራትን ዲፕሎማሰኛታትን ከምኡ እውን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ከምዝተረኸቡ ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ የመላኽት፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.