Fana: At a Speed of Life!

ብሪክስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር እተስፈሐሉ ምዕሩይ መድረኽ ኢዩ – ዘነበ ክንፉ (ፕ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሪክስ ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ሃገራት ምትሕብባር ንክትገበር ልዑል ዕድል ዝፈጥር ምዕሩይ መድረኽ ኢዩ  ክብሉ ዘነበ ክንፉ (ፕ/ር) ገሊፆም።

ኣብ ሩሲያ ሞስኮ ኣብ ዘለዉ ዩንቨርስቲታት መምሀርን ኣብ ሩሲያ ፕሬዚዳንት ማሕበር ዲያስፖራታት ኣፍሪካን ዘነበ ክንፉ (ፕ/ር) ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ኢትዮጵያ ናይ ብሪክስ ኣባልነታን ምስ ካልኦት ኣባል ሃገራት ዘለዋ ምትሕብባርን ርኡይ ረብሓ ከምዝለዎ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ምስ ሩሲያ ዘለዋ ዘለዋ ታሪካዊ ርከብ እተን ሃገራት ናይ ብሪክስ ኣባልነታ መስ ካልኦት ኣባል ሃገራት ዝሓሸ ምትሕብባር ንክትገብር ልዑል ዕድል ዝፈጥር ኢዩ ኢሎም።

ልዕሊ 26 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ተምሃሮ ኣብ ዩንቨርስቲታት ሩሲያ ይከታተሉ ከምዘለዉ ብምግላፅ፥ እዚ ድማ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ለምዓት ሓይሊ ሰብ ናይ ነዊሕ እዋን ርክብ ኣጉሊሁ ዘርእይ ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያን ሩሲያን ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ብዘይምቁራፅ ምድግጋፍን ዲፕሎማሲያዊን ፖለቲካዊን ርከበን ምጥንኻርን ከምዝኸኣላ ሓቢሮም።

ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ከልቲአን ሃገራት ብዓውዲ ንግዲ፣ ኢኮኖሚ፣ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን  ኢንቨስትመንትን ርክበን ንምጥንኻር ዘኽእል ምትሕብባር ከይረን ኢየን ኢሎም።

ብወንደሰን ኣረጋኸኝ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.