Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2017፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንገሰስታት (ውሕመ) ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ውሕመን ዘሎ ዞባዊ ሰላምን ፀፅታን ምትሕብባር ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ጉዳይ ተመያይጦም፡፡

በዚ ድማ ምትሕብባር በዓል በዙሕ ወገን ብዝበለፀ ምጥንኻር ምዕባይ ከምዝግባእ ምዝታዮም እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ፅሒፎም፡፡

ትማሊ ዝተኻየደ ሓበራዊ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካን ውሕመን ዕዉት ንኽኸውን እቶም ዋና ፀሓፊ ንዘበርከቱዎ ኣስተዋፅኦ እቶም ፕሬዚዳንት ኣመስጊኖም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.