Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ታዬ ካፍ ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ሕቶ ምስንዳእ ፅዋዕ ኣፍሪካ ተቐቢሉ ንኸፅድቕ ፃውዒት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮንፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኣፍሪካ (ካፍ) ኢትዮጵያን ፅዋዕ ኣፍሪካ 2029 ንምትእንጋድ ዘቕረበቶ ሕቶ ንኽቕበልን ከፅድቕን ፕሬዚዳንት ፌዲሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 46 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ካፍ÷ “ኣፍሪካውያን ገዛኹም ናብ ዝኾነት ኢትዮጵያ እንኳዕ ደሓን መፃእኹም” ኢሎም።

ኢትዮጵያ ኣብ ኩዕሾ እግሪ ኣፍሪካ ዓብዪ ኣሰር ከምዘለዋን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያም 1957 ካፍ እንትምስረት መስረትቲ ካብ ሞንጎ ዝነበራ ሃገራት ሓንቲ ከምዝኾነት ገሊፆመ።

ኢትዮጵያ ኣብ ኩዕሾ እግሪ ኣፍሪካ ዘለዋ ታሪኻዊ ብፅሒት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ 2029 ዝካየድ ፅዋዕ ኣፍሪካ ንምስንዳእ ሕቶ ከምዘቅረበት ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ ፅዋዕ ኣፍሪካ ንምትእንጋድ ስታዲየማት እናሃነፀት ከምትርከብ ብምግላፅ÷ ኣብ ዘለዉ ስታዲየማት እውን ምምሕያሽ እናገበረት ከምትርከብ ኣመልኪቶም።

ፕሬዚዳንት ታዬ ካፍ ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ሕቶ ምስንዳእ ፅዋዕ ኣፍሪካ ተቐቢሉ ንኸፅድቕ ምሕታቶም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.