Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ካፍ ፓትሪስ ሞትሴፔ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ኮንፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኣፍሪካ (ካፍ) ፓትሪስ ሞትሴፔን ላዕለዎት ኣመራርሓ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ካፍን ሎሚ ወጋሕታ ተዛቲዮም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ነዚ ኣመልኪቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም÷ ሎሚ ወጋሕታ ኢትዮጵያ ቅድሚ እተተኣናግዶ መበል 46 ስሩዕ ጉባኤ ኮንፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኣፍሪካ (ካፍ) ምስ ፕሬዝዳንት ካፍ ፓትሪስ ሞትሴፔንን ላዕለዎት ኣመራርሓ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ካፍ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ተቐቢለ” ኢሎም።

ኣብ ምዝዛም ዝርከብ ስታዲየም ኣደይ ኣበባ ብሓባር ከምዝጎነዩ እወን ገሊፆም፡፡

ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር) ኢትዮጵያ እዚ ጠቓሚ ጉባኤ ዕዉት ንኽኸውን ንምሕጋዝ ብዝግባእ ከምዝተሰናደአት ኣብሪሆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.