Fana: At a Speed of Life!

ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ንምዕጋት ምትሕብባር ቻይና-ኣፍካ ዘይትካእ ግደ ኣለዎ – ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ንምዕጋት ምትሕብባር ቻይና-ኣፍካ ዘይትካእ ግደ ከምዘለዎ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ገሊፆም።

ዘተ “ዓለም ለኸ ኢኒሸቲቭ ሓደ መንገዲ ሓደ ቁልፊ” ትማሊ ብኮንፈረንስ ቪዲዮ ተሳሊጡ።

ስግኣት ዓለም ዝኾነ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ንምዕጋት ኣብ ሞንጎ ቻይናን ኣፍሪካን ዝግበር ምትሕብባር ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ወሳኒ ከምዝኾነ ኣይተ ገዱ ኣብቲ እዋን ዘተ ተዛሪቦም።

ቻይና ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ንምዕጋት ዝተኸተለቶ ስትራቴጂን ዝረኸበቶ ውፅኢትን እውን ንኢዶም።

ኢትዮጵያ እቲ ለበዳ ንምዕጋት ትገብሮ ዘላ ምንቅስቓስ መንግስቲ ቻይናን ከም ጃክ ማ ዝበሉ ቻይናውያን ሰብ ሃፍቲን ዝገበሩዎ ዘለዉ ሓገዝ ዘመስገኑ እቶም ሚኒስትር፥ እቲ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

እቲ ኮንፈረንስ ቪዲዮ ኮቪድ-19 ኣብ ልዕሊ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ምንቅስቓስ ዓበይቲ ሃገራት ዘሕድሮ ፅዕንቶ ንምፅዋር ዘኽእል ኣንፈት ንምቕማጥ ርኡይ ግደ ከምዝህልዎ እውን ኣብሪሆም።

ስቴት ካውንስልን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ቻይና ዋንግ ይን ሓዊሱ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፣ ተወከልቲ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ካልኦት ዓለም ለኸ ትካላትን ኣብ̕ቲ ኮንፈረንስ ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ዓለም ለኸ ኢኒሸቲቭ ሓደ መንገዲ ሓደ ቁልፊ፥ ዓለም ለኻዊ ምትሕብባር ብምዕባይ ኣብ ምዕጋት ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ዝህልዎ ረብሓ ብዝምልከት ብዕምቆት ከምዝተዘተየሉ ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቓል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.