Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ጥዕና ዝርገሐ ኤች ኣይ ቪ ንምቁፅፃር ምስ መዳርግቲ ኣካላት ይሰርሕ ኣሎ-ዶ/ር መቅደስ ዳባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጥዕና ብሰንኪ ተፈጥሮን ሰብ ስራሕን ጉድኣት ኣብ ዘጋጠመን ከባቢታት ዝህሉ ዝርገሐ ኤች ኣይ ቪ ንምቁፅፃር ምስ መዳርግቲ ኣካላት ይሰርሕ ኣሎ ክብላ ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ ገሊፀን።

ዶ/ር መቅደስ ምስ ልኡኽ ትልሚ ሪሊፍ ሃንደበታዊ ኤድስ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ(ፔፕፋር) ተዛቲየን።

እቲ ዘተ፥ ዝርገሐ ኤች ኣይ ቪ ምቁፅፃር ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ጠመተ ዝገበሩ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ፥ ሚኒስቴር ጥዕና ዝርገሐ ኤች ኣይ ቪ ንምቁፅፃር ምስ መዳርግቲ ኣካላት ይሰርሕ ኣሎ ኢለን።

ፕሮግራም ፔፕፋር  ምስ እዋናዊ ኩነታት እዛ ሃገር ዝተጠዓዓመን ምስ ኩነታት ምልውዋጥ ዝመዓራረን፣ ቀዳምነት ዝህቦም ከባቢታት ተሓሳቢ ብምግባር ንክስራሕ እተን ሚኒስትር ሚዒደን።

ካንትሪ ዳይሬክተር ፔፕፋር ኢትዮጵያ ፀደይ ኣለምሰገድ፥ ፔፕፋር ስርዓት ምምሕዳር መረዳእታ ጥዕና ሓዊሱ ምምሕዳር ላቦራቶሪ፣ ቀረብን ሰንሰለትን ምምሕዳርን ኣተኣኻኽባ ሰትራቴጂካዊ መረዳእታን ንምጥንኻር መስ ሚኒስቴር ጥዕና ብቕርበት ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪበን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.