Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ “ዴክሳሜታዞን”  ኣብ ረብሓ ምውዓል ብዝምልከት  ተወሰኽቲ መፅናዕትታት ተተኣኻኽብ ከምዘላ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)“ዴክሳሜታዞን” ዝተብሃለ መድሓኒት ብምኽኒያት ቫይረስኮሮና ብፅኑዕ ንዝሓመሙ ሰባት ካብቲ ሕማም ንኽገላገሉ ዝሕግዝ ኢዩ ምባሉ ስዒቡ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ መፅናዕትታት ተተኣኻኽብ ከምዘላ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ተመራመርቲ ብሪታኒያ ቅድሚ ውሱናት መዓልታት ብውሑድ ዋጋ ብስፍሓት ዝርከብ ዴክሳሜታዞን ዝተብሃለ መድሓኒት ብምኽኒያት ቫይረስኮሮና ብፅኑዕ ኣብ ዝሓመሙ ሰባት ዘጋጥም መጠን ሞት ከምዝቕንስ ምግላፆም ይዝከር።

እቲ መድሓኒት ብቬንትሌተርን ኦክሲጅንን እናተሓገዙ ንዘተንፍሱ ሕሙማት ብምህብ ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ዘጋጥም ሞት ዝቕንስ ከምዝኾነ እቶም ተመራመርቲ ገሊፆም ኢዮም።

ውድብ ጥዕና ዓለም ብግድኡ፥ እቲ መድሓኒት ነቶም ሕሙማት ንምሕካም ኣብ ረብሓ ምውዓሉ ብእወንታ ከምዝርእዮ ትማሊ ኣፍሊጡ ኢዩ።

ኢትዮጵያ እውን “ዴክሳሜታዞን”  ኣብ ረብሓ ምውዓል ብዝምልከት ተወሰኽቲ መፅናዕትታት ተተኣኻኽብ ከምዘላ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ ኣሎ።

ከም ኣገላልፃ እቲ ሚኒስቴር፥ እቲ ጉዳይ ብቐረባ ክትትል ይግበረሉ ኣሎ ኢዩ።

ኮቪድ 19 ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምግጣሙ ኣመኻሪ ጉጅለ ውሽጢ ዓዲን ዲያስፖራን ዘካተተ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ መድሓኒት ዴክሳሜታዞን ብዝምልከት እውን ኣብቲ ጉዳይ ንሚኒስቴር ጥዕና ዘማኽሩ ጉጅለታት ክትትል ይገብሩ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

እቲ ጉጅለ ዘሳለጦ ውፅኢት መፅናዕቲ ሎሚ ምሸት ናብቲ ሚኒስቴር ከምዘቕርብ ብምግላፅ፥ ኣብ ቀፃሊ ንሕብረተሰብ ዕላዊ ከምዝግበር ተሓቢሩ።

ብኣፈወርቅ ኣለሙ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.