Fana: At a Speed of Life!

ብቑፅፅር ኮንትሮባንድ ልዕሊ 2 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ሃፍቲ ምድሓን ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብቑፅፅር ኮንትሮባንድ ኣብ ቀዳማይ ርባዕ ዓመት 2017 ዓ.ም ልዕሊ 2 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ሃፍቲ ምድሓን ከምዝተኽኣለ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገ/ሚካኤል፥ ትካሎም ምስ ኮሚሽን ጉምሩክ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ብቁፅፅር ኮንትሮባንድ ልዕሊ 2 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ሃፍቲ ዓዲ ከምዘድሓነ ኣብሪሆም።

ብተወሳኺ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታት ኢትዮጵያን ሸሊኾም ብምእታው ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ንምህዋኽ እንትንቀሳቐሱ ዝነበሩ ብዙሓት ኣባላት ፅንፈኛ ጉጅለ ምስ ኢግዚቢቶም ኣብ ቁፅፅር ብምውዓል ብሕጊ ተሓተትትቲ ንክኾኑ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ንምክልኻል ኣብ መፅናዕቲ ዝተደረኸ  ኦፕሬሽን ብምክያድ ብዙሓት ዘይሕጋዊ ኣዘዋወርቲ ኣብ ቁፅፅር ሕገ ብምውዓል መርመራ ተገይሩሎም ብቤት ፈርዲ ንክቕፅዑ ከምዝተገበረ ምግላፆም ኣብቲ ትካል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.