Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 195 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 4 ሺሕን 853 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 195 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ክልተ ሰባት ድማ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ።

በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዕድሚኦም ካብ 1 ክሳብ 85 ምዃኖም ዝገለፃ ዶክተር ሊያ፥ ፀታኦም ድማ 90 ደቂ ተባዕቲዮ 105 ድማ ደቂ ኣንስቲዮን ከምዝኾኑ ሓቢረን።

በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ዝተረጋገፁ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኢዮም።

እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት 144 ካብ ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ካብ ክልል ኦሮሚያ፣ 12 ካብ ኣምሓራ፣ 12 ሰባት ካብ ትግራይ፣ 3 ካብ ጋምቤላ ከምኡ̕ውን 2 ሰብ ካብ ክልል ሃረሪ፣ 7 ካብ ክልል ዓፋር፣ 7 ሰብ ካብ ድሬዳዋ፣ 4 ሰብ ድማ ካብ ክልል ሶማሌ ከምዝኾኑ እተን ሚኒስትር ኣፍሊጠን።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ምርመራ ቁፅሪ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 3 ሺሕን 954 ከምዝበፅሐ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ብኻሊእ መዳይ  ኣብ ማእኸል ሕክምና ዝነበሩ ክልተ ሰባት ብምኽኒያት ቫይረስኮሮና ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ።

ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም ናብ 65 ክብ ክብል ክኢሉ ኣሎ።

ሚኒስቴር ጥዕናን ኢኒስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያን ብምኽንያት ሕልፈት ህይወት እቶም ወገናት ዝተሰመዖም ሓዘን ብምግላፅ ንመላእ ቤተሰብ ምፅንዕናዕ ተመኒዮም።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 85(73 ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ካብ ትግራይ፣ 5 ካብ ክልል ኦሮሚያ፣ 5 ካብ ክልል ኣምሓራ) ሰባት ካፍቲ ሕማም ዝደሓኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ካፍቲ ቫይረስ ዝደሓኑ ሰባት ቁፅሮም 934 በፂሑ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.