Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝተፈላለዩ ሹመታት ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንሰለስተ ላዕለዎት ሚኒስትራት  ሹመታት ሂቦም።

ብመሰረት እዚ፥ ጌዲዮን ጥሞቲዮስ( ዶ/ር) ሚኒስትር ጉዳያት ወፀኢ፣. ወ/ሮ ሰላማዊት ካሳ ሚኒስትር ቱርዝም ከምኡውን ወ/ሮ ሃና ኣርአያስላሴ ሚኒስትር ፍትሒ ብምዃን ተሸይሞም።

ኣብ ቀረባ እዋን ፕሬዚደንት ፌዴሪኢ ብምዃን ናይ ዝተሰየሙ ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ቦታ ዝተተክኡ ጌዲዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር) ሚኒስትር ፍትሒ ብምዃን ከገልግሉ ከምዝፀንሑ ይዝከር።

ወ/ሮ ሰላማዊት ካሳ ሚኒስትር ዲኤታ ኣገለግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ፣ ወ/ሮ ሃና ኣርኣያስላሴ ድማ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨሰትመንት ኢትዮጵያ  ብምዃን እንተገልግላ ፀኒሐን ኢየን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.