Fana: At a Speed of Life!

ንምዕባለ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ኢትዮጵያ ርኡይ ግደ ዝህልዎ ናይ ካፒታል ዕዳጋ ብናይ ኢትዮ ቴሌኮም 10 ሚኢታዊ ሽይጣት ኣክስዮን ስራሕ ተጀሚሩ-ምከትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2017 ዓ.ም(ኤፍ ቢ ሲ)ንምዕባለ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ኢትዮጵያ ርኡይ ግደ ዝህልዎ ናይ ካፒታል ዕዳጋ ብናይ ኢትዮ ቴሌኮም 10 ሚኢታዊ ሽይጣት ኣክስዮን ስራሕ ተጀሚሩ ክብሉ ምከትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

እቶም ምክተል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ናይ ካፒታል ዕዳጋ ኣብ ሃገርና ኢንቨስትመንትን ኢኮኖሚን ክብ ካብ ምባል ብተወሳኺ ሓቛፊ ዓውዲ ፋይናንስ ኣብ ምዕባይ ልዑል ግደ ይፃወት ኢሎም።

ናይ 130 ዓመት ዕድመ ዘለዎ ኢትዮ ቴሌኮም፤ 10 ሚኢታዊ ብፅሒት ኣክሲዮን ብሽይጣት ንህዝቢ ምቕራቡ ልዑል ዓወት ኢዩ ኢሎም።

ጅማሮ ካፒታል ዕዳጋ ንኢትዮጵያ ናብ ስሉጥን ምዕቡልን ሰርዓት ዕዳጋ ኣክሲዮን ዘእትዋን ተረባሕነት ህዝቢ ዘዕብን ከምዝኾነ ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.