Fana: At a Speed of Life!

መሸጣ ኣክሲዮን ኢትዮ ቴሌኮም ድሉው ምዃኑ ታሪኻዊ ናይ ተግባር ምዕራፍ መርአዪ ኢዩ – ቀ/ሚ/ ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መሸጣ ኣክሲዮን 10 ሚኢታዊ ኢትዮ ቴሌኮም ዕላዊ ገይሮም፡፡

ሙሉእ ትሕዝቶ መልእኽ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡-

ሎሚ መዓልቲ ኣክሲዮን ኢትዮ ቴሌኮም ንመሸጣ ድሉው ከምዝኾነ ዘብሰርናሉ ታሪኻዊኻይ ተግባር ምዕራፍ እለት ኢዩ። ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ካብ ፖለቲካዊ ኣብዮት ናብ መገዲ ለውጢ እናገበርናዮ ንርከብ ዕዉት ጉዕዞ ዘርኢ ኢዩ። ከም ዲጂታል ኢትዮጵያ ዝበሉ ቁልፊ ስራሕቲ ለውጢ ምትግባሮም ንሎሚ መዓልቲ ታሪኻዊ ፍፃመ መገዲ ፈጢሮም ኢዮም። ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዝረአ ምዕባለ እውን ኣኽኢሎም ኢዮም። 50 ሚሊዮን ኢትዮጵያዊያን ዝውውር ገንዘብ ተግባራት ብሞባይል ስለዝውግኑ ናይ 130 ዓመታት ዕድመ ዘለዎ ኢትዮ ቴሌኮም 10 ሚኢታዊ ብፅሒት ኣክስዮን ብመሸጣ ንህዝቢ ኣቕሪቡ ኣሎ። እዚ ንዕዳጋ ኣክስዮን ኢትዮጵያ ጥጡሕ ባይታ ዝፈጥር ኢሉ እውን ኣብ ሃገርና ካብ ሞንጎ ዘለዉ ቀዳሞት መንግስታዊ ትካላት ንግዲ (ኣብዚ ሕዚ ናብ ትካል ኣክስዮን ዝተለወጠ) ሓደ ካብ ዝኾነ ውሩይ ኢትዮ ቴሌኮም ናይ ወናንነት ዕድል ዘስፍሕ ኣጋጣሚ ኢዩ። ክልና እንኳዕ ደስ በለና!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.