Fana: At a Speed of Life!

እታወት ዕድጊት ሸርፊ ወፃኢ ንምቅልጣፍ ሓገዝና ክቕፅል ኢዩ – ኣይተ ማሞ ምህረቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እታወት ዕድጊት ሸርፊ ወፃኢ ንምቅልጣፍ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገዛኢ እቲ ባንኪ ኣይተ ማሞ ምህረቱ ኣረጋጊፆም።

ኣይተ ማሞ ኣብ ቦሌ ዝተኸፈቱን ስራሕ ዝጀመሩን ክልተ ቢሮታት መዕደጊ ሸርፊ ወፃኢ ዑደት ብምግባር ኣበረታቲዖም፡፡

እቶም ቢሮታት ንግዲ ይኹም ንውልቀ ጉዳይ ናብ ወፃኢ ንዝኸዱ ኣካላት ዝደልዩዎ ዓይነት ሸርፊ ኣብ ምምላእ ግደ ከምዝህልዎም እቶም ገዛኢ ተዛሪቦም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.