Fana: At a Speed of Life!

4 ሰባት ብሰንኪ ሓደጋ ትራፊክ ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ወረዳ ምንጃር ሸንኮራ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 4 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።

እቲ ሓደጋ ሎሚ ንጎሆ ሰዓት 3:00 ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ከተማ ኣረርቲ 445 ኩንታል ሕሩፅ ፅዒና እትጓዓዝ ዝነበረት ተሽከርካሪት ብምገልባጣ ዘጋጠመ ኢዩ ተባሂሉ።

ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ገናሒ መኪናን ሓጋዚኡን ሓዊሱ 4 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ሓላፊ ክፍሊ ርክብ ህዝብን ሚዲያን መምርሒ ፖሊስ እቲ ዞባ ኮማንደር በለጠ  ተክለ ስላሴ ገሊፆም።

መበገሲ እቲ ሓደጋ ይፃረ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ብኣላዩ ገረመው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.