Fana: At a Speed of Life!

ብኣማራፅታት ዲጂታል ክፍሊት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ 32 መዓልታት ልዕሊ 828 ቢሊየን ብር ዝውውር ተፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣማራፅታት ዲጂታል ክፍሊት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ካብ 30 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 26 መስከረም 2017 ዓ.ም ኣብ ውሽጢ 32 መዓልታት ልዕሊ 828 ቢሊየን ብር ዝውውር ከምዝተፈፀመ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ልዕሊ 145 ሚሊየን ብር በቲ ባንኪ ኣማራፂታት ዲጂታል ክፍሊት ዕዳጋታት ከምዝተፈፀመ ኣብቲ ባንኪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ካብቲ ዝተፈፀመ ዕዳጋታት 84 ሚኢታዊ ብሞባይል ባንኪንግ ኣቢሉ ከምዝተፈፀመ ተገሊፁ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.