Fana: At a Speed of Life!

ኣፍሪካ ዘጋጠማ ስግኣት ፀፅታን ድሕንነትን መፍትሒ ይደሊ ኢዩ-ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍሪካ ዘጋጠማ ስግኣት ፀፅታን ድሕንነትን ካብ ዘተ ዝሓለፈ መፍትሒ ይደሊ ኢዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

“ኣፍሪካ ብጠንካራ ሓድነት፣ ንኩለ መዳያዊ ፀፅታን ሰላምን” በዘብል መሪሕ ሓሳብ ኮንፈረንስ ሚኒስትራት መክልኻል ሃገር ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ይሳለጥ ኣሎ።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ኣፍሪካ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘተሓሳስብ ስግኣት ፀፅታን ድሕንነተን ኣለዋ ኢሎም።

ኣብ ኣህጉርና ግዙፍ ፈተናታት ድሕንነት ኣሎ በምባል፥ ናይ ወሽጢ ጎንፂታት፣ ዶብ ዘለል ውጥረታትን ተግባራት ግብረ ራዕዲን ምውጋድ ብፍፁም ከምዘይተኽኣለ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ናብ ሰላምን ምርግጋዕን ዝመፅኣ ሃገራት እውን እንተኾና ኣብዚ ሐዚ እዋን ሓደሽቲ ውጥረታት የጋጥምወን ኣለዉ ኢሎም።

ይህን ተከትሎ የሽብር ቡድኖች ሰላማዊ ወደ ነበሩ አካባቢዎች እየተስፋፉ መምጣታቸውን ገልጸው፤ እነዚህን ከባድ ተግዳሮቶች ከውይይት የተሻገረ መፍትሔ እንደሚፈልጉ ጠቁመዋል።

እዞም ከበድቲ ስግኣት ፀፅታን ድሕንነትን ካብ ዘተ ብዝዘለለ መፍትሒ ይደሊዩ ኢዮም ክብሉ ኣገንዚቦም።

ብፍሬህይወት ሰፊው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.