Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ፖርት ሱዳን በረራ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ናብ ወደብ ከተማ ሱዳን ዝኾነት ፖርት ሱዳን ዕለታዊ በረራ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

ፖርት ሱዳን መበል 66 መብፅሒት ኣፍሪካ ዝገበረ እቲ መገዲ ኣየር÷ ናብ ፖርት ሱዳን በረራ ምጅማሩ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዋ ቅፅሪ መብፅሒ ብዝበለፀ ከምዘስፈሖ ተሓቢሩ፡፡

ዋና ፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መስፍን ጣሰው÷ “ሃገራት ምስ ኣፍሪካን ምስ መላእ ዓለምን ናይ ምርኻብ ስራሕ እናሰራሕና ንርከብ” ኢሎም፡፡

ብቴክኖሎጂ ዝማዕበሉ ሓደሽቲ ኣውሮፕላናት ብምጥቃም ንዓማዊል ዝወሃብ ደረጃ ኣገልግሎት እናዕበየ ከምዝርከብ እውን ገሊፆም፡፡

እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ዝቕፅሉ ሒደት ሰሙናት ናብ ርእሰ ከተማ ላይቤሪያ ሞንሮቪያ በረራ ከምዝጅምር እውን ተገሊፁ።

ብትእግስት ኣስማማው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.