Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሞንጎ መዕደጊን መሸጢን ሸርፊ ወፃኢ ዘሎ ኣፈላላይ ካብ ክልተ ሚኢታዊ ንላዕሊ ከይኸውን ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ባንኪታት ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ዝዕድጉሉን ዝሸጡሉን ዘሎ ኣፈላላይ ካብ ክልተ ሚኢታዊ ንላዕሊ ክበልፅ ከምዘይብሉ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ብሄራዊ ባንኪ እዚ ብዝምልከት ንንግዲ ባንኪታት ብደብዳበ ከምዘፍለጠ ገሊፁ።

ሓዱሽ ተመን ሸርፊ ወፃኢ ኣሰራርሓ ዕላዊ ምዃኑ ስዒቡ ኣብ ዕዳጋ ሸርፊ ወፃኢ ዘለዉ ከይዲታት እናተኸታተለ ምፅንሑ ዝሓበረ እቲ ብሄራዊ ባንኪ፤ ኣብ ሞንጎ መዕደጊን መሸጢን ሸርፊ ወፃኢ ንግዲ ባንኪታት ዘሎ ኣፈላላይ ዓለም ለኸ ኣሰራርሓ መሰረት ዝገበረ ክኸውን ከምዝግባእ ኣመልኪቱ።

ብምዃኑ ኣብ ሞንጎ መዕደጊን መሸጢን ሸርፊ ወፃኢ ዘሎ ኣፈላላይ ካብ ክልተ ሚኢታዊ ንላዕሊ ከይኸውን ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ።

ሕዚ እውን እንተኾነ ባንኪታት መዕደጊን መሸጢን ዋጋ ሸርፊ ወፃኢ ባዕለንን ምስ ዓማዊለን ብዝገብረኦ ስምምዕነትን ምግባር ከምዝቕፅላ እውን ሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.