Fana: At a Speed of Life!

ማዕቐፍ ምትሕብባር ሩባ ናይል ናብ ተፈፃምነት ምእታው ፍትሓዊ ተረባሕነት ዘረጋግፅ ኢዩ – ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ማዕቐፍ ምትሕብባር ሩባ ናይል ናብ ተፈፃምነት ምእታው ኣቐዲሞም ዝመበሩ አሰርቲ ሕጊታት ብምስጋር ፍትሓዊ ተረባሕነት ዘረጋግፅ ከምዝኾነ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር) ገሊፆም።

ማዕቐፍ ምትሕብባር ሩባ ናይል ናብ ተፈፃምነት ምእታው ስዒቡ ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር ) ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂቦም።

ማዕቐፍ ምትሕብባር ሩባ ናይል 45 ዓንቀፃት ከምዘለዉዎ ዘልዐሉ እቶም ሚኒስትር÷ “ሓበራዊ ተረባሕነትን ምልውዋጥ ሓበሬታን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ መምርሒታት ዝሓዘ ኢዩ” ኢሎም።

ትማሊ ናብ ተፈፃምነት ዝኣተወ ማዕቐፍ ምትሕብባር ቅድሚ ሕዚ ዝነበሩ ንሓደ ወገን ዘዳለዉ ኣሰርቲ ሕጊታት ብምስጋር ፍትሓዊ ተረባሕነት ዘረጋግፅ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

እቲ ማዕቐፍ ንዝኾነ ይኹን ናይ ምጉዳእ ዕላማ ከምዘይብሉ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር፤ ብምትሕብባር ምልማዕን ብሓባር ምጥቃምን ሸቶኡ ዝገበረ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ብወንድሙ ኣዱኛ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.