Fana: At a Speed of Life!

ሎሚ ወጋሕታ ኣብ ኣዋሽ ፈንታሌ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣጋጢሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ ወጋሕታ ከባቢ ሰዓት 1:37 ኣብ ኣዋሽ ፈንታሌ ምንቅጥቃጥ መሬት ከምዘጋጠመ ዩኒቨርሲቲ ሰመራ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ምክትል ፕሬዚዳንት ምርምርን ስግግር ቴክኖሎጂን ኣደም ዓሊ እቲ ጉዳይ ኣመልቶም ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ÷ ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ኣዋሽ ፈንታሌ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬትክሳብ ሕዚ ዝተፈለየ ጉድኣት የለን፡፡
ቅድሚ ሕዚ ኣብ ፈንታሌ፤ ሎሚ ወጋሕታ ድማ ኣብ ኣዋሽ ፈንታሌ ምንቅጥቃጥ መሬት ከምዘጋጠመ ብምግላፅ÷ ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ጉድኣት ከይበፅሕ ኣድላዪ ስራሕ ንኽውግኑ ሓቲቶም፡፡
ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ መምህር መፅናዕቲ ስነ-ምድሪ ዝኾኑ ኖራ የኒሞኖ ብግደኦም÷ ኣብ ከባቢ ኣዋሽ ፈንታሌ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ብሬክተር ስኬል 4 ነጥቢ 6 ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ብኽፋል ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ክሳብ ኣዳማ፣ ኣዋሽን ከባቢኡን ንዝረት ከምዝተሰምዐ ገሊፆም፡፡
ብዮሃንስ ደርበው
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.