Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ዞባ ቄለም ወለጋ ዕደና ወርቂ ይወስዱ ነይሮም ንዝበሎም 135 ተለኣኣኽቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዞባ ቄለም ወለጋ ዕደና ወርቂ ይወስዱ ነይሮም ንዝበሎም 135 ተለኣኣኽቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ።

ከፍለ ሰራዊት ማእከላዊ እዚ ኣብ ዝገበሮ መውፋር ብዘይሕጋዊ መገዲ ሃፍቲ ሃገር ይወስዱ ዝነበሩ ዝበሎም ዋህዮታት ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ቁፅፅር ከምዘውዓለ ምክትል ኣዛዚ እቲ ክፍለ ሰራዊት ሌተናል ኮሎኔል መሓመድ ኢብራሂም ገሊፆም።

እቲ ሰራዊት ብመሰረት ዝተውሃቦ ሓበሬታ፥ ኣብቲ ዞባ ዕደና ወርቂ ዝርከበሉ ለገወርቄ ዝተብሃለ ቦታ ብዝተገበረ ዝተጠናኸረ ተፍቲሽ ነቶም 135 ተለኣኣኽቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ተታሒዞም ኢሉ።

ካብ ዝረኸብዎ ዕደና ወርቂ እቲ 50 ሚኢታዊ ዝኸውን ንጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ይግብሩ ከምዝነበሩ ከምዝተረጋገፀ ገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.