Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ብዙሓት ዓለም ለኸ ኮንፈረንሳት ንምትእንጋድ ምድላው ገይራ ኣላ-ሰለማዊት ካሳ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ብዙሓት ዓለም ለኸ ኮንፈረንሳት ንምትእንጋድ ምድላው ገይራ ኣላ ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ኣገልግሎት ሰለማዊት ካሳ፥ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ዝጠመተ መግለፂ ሂበን።

ኣብ መግለፂአን፥ ካብ ዝሓለፈ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ኣብ መላእ ሃገር ሃይማኖታዊን ባህላዊን በዓላት በድምቀት ምኽባሮም ኣዘኻኺረን።

እቶም በዓላት ዝምድናታት ህዝቢ ዘጠናኽሩ፣ ባህሊን ከብሪን ኢትዮጵያ ዘንፀባረቑን ከምዝነበሩ ተዛሪበን።

ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ እውን ብዙሓት ዓለም ለኸን ኣህጉራዊን ኮንፈረንሳት ንምትእንጋድ ምድላው ገይራ ኣላ ኢለን።

ብመሰረት እዚ ካብ ጥምየት ናፃ ዝኾነ ዓለም ለኸ ኮንፈረነስ ካብ 26 ክሳብ 28 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ከምዝካየድ ተዛሪበን።

ኣብቲ መድረኽ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝተውፃእፅኡ 1 ሺሕን 500 ኣጋይሽ ክሳተፉ ኢዮም ኢለን።

ብተወሳኺ ኣኼባ ኮንፌዴሬሽን ኣፍሪካ ካብ 9 ክሳብ 12 ጥቅምቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከመዝሳለጥ ገሊፀን።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.