Fana: At a Speed of Life!

ዲጂታል ስርዓት ናፃን ሉኣላዊ ንኽኸውን ድሕንነት ሳይበር ትኹረት ክወሃቦ ይግባእ – ኣይተ ማሞ ምህረቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዲጂታል ስርዓት ናፃን ሉኣላዊነቱ ዝተረጋገፀን ንኽኸውን ድሕንነት ሳይበር ልዑል ትኹረት ክወሃቦ ከምዝግባእ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣይተ ማሞ ምህረቱ ገሊፆም።

ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንሓደ ወርሒ “ድሕንነት ቁልፊ መደረተ ልምዓት ንዲጂታል ሉኣላዊነት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ወርሒ ድሕንነት ሳይበር ኣብ ሳይንስ ሙዚዬም ተጀሚሩ።

ኣይተ ማሞ ምህረቱ ከምዝበሉዎ ኣብቲ መርሃ ግብሪ÷ ዲጂታል ሃፍቲታት ናይ ምሕላውን ድሕንነት ዜጋታት ብዝተማለአ መልክዑ ንምርግጋፅ ንድሕነነት ሳይበር ልዑል ትኹረት ክወሃቦ ይግባእ።

ዲጂታል ስርዓት ኢትዮጵያ ናፃን ሉኣላዊነቱ ዝተረጋገፀን ንኽኸውን እውን ንድሕንነት ሳይበር ልዑል ትኹረት ክወሃብ ከምዝግባእ ብምሕባር÷ ነዚ ድማ ዓቕሚ ሰብ ሞያ ምድንፋዕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ኣብ ልምዓት ቴክኖሎጂ ሳይበር ዘፈር ውልቀ ትፅቢት ዝግበረሉ ግደ ንኽፃወት ብምሕጋዝ ናይ መናእሰይ ክእለት ቴክኖሎጂ ምዕባይ ከምዝግባእ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.