Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ዝቕፅል ሰኑይ ክኽበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 17 ብሄራዊ መዓልቲ ሰንደቅ ዕላማ ዝቕፅል ሰኑይ 4 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ክኽበር ኢዩ።

እቲ በዓል “ሰንደቕ ዕላማና ንብሄራዊ ሓድነትና፣ ንሉኣላዊነትናን ንብራኸ ኢትዮጵያን!” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ፌደራል፣ ክልላትን ክልቲኦም ምምሕዳር ከተማን ብመሪሕነት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክኽበር ኢዩ፡፡

መዓልቲ ብሄራዊ ሰንደቕ ዕላማ በቢዓመቱ ምኽባሩ ንብሄራዊ ሓድነት፣ ንሉኣላዊነትን ንቀፃሊ ብራኸ ኢትዮጵያን ብሄራዊ ምንቕቓሕ ንምፍጣር ልዑል ትርጉም ከምዝህልዎ ሓበሬታ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ የመላኽት።

ንሃገርን ንሰንደቕ ዕላማን ዘለና ሓቀኛ ፍቕሪ ኩልና ንገልፀሉን ኣብ ቅድሚ ሰንደቕ ዕላማ ዳግም ቃልና ንሕድሰሉ ዕለት ክኸውን ኢዩ” ክብል እውን ገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.