Fana: At a Speed of Life!

ተቐዳሚ ምክትል ፕሬዚዳንት ሱዳን ሌተናል ጀኔራል መሐመድ ሃምዳን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ተቐዳሚ ምክትል ፕሬዚዳንት ሱዳን ሌተናል ጀኔራል መሐመድ ሃምዳን ደጋሎ ኣብ እዋናዊ ዛዕባታት ንምዝታይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።

እቶም ተቐዳሚ ምክትል ፕሬዚዳንት ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንትኣትዉ፥ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮንን፣ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርቸውን ጀነራል ኣደም መሓመድን ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ሌተናል ጀኔራል መሐመድ ሃምዳን ደጋሎ ኣብ ፃንሒቶም ምስ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ኣብ ክልተኣዊን እዋናዊን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣድሂቦም ከምዝዝቲዩ ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.