Fana: At a Speed of Life!

ቡን ዋልታ ኢኮኖሚና ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)”ቡን ዋልታ ኢኮኖሚና ኢዩ። ኣብ ልምዓት ቡን  ዘርኣናዮ ስጉምቲ ዕብየት እዚ ዘንፀባረቐ ኢዩ። ኣዝዩ ዝነኣድ ዝኸወን 1 ሚሊየን ቶን ቡን ናይ ምፍራይ ሸቶና ወቒዕና ኢና። ናይ ውሽጢ ዓዲ ትርጉም ተረባሕነት ቡን ብዘለዎ መገዲ ምዕባለ ኣርኢና ኢና።

ብልምዓት ቡን ዝበለፀ ዕውታት ምዃንና  ቀፂልና ኣለና። ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ኩሎም እዚ ቁልፊ ኢንዱስትሪ ብዝበለፀ ክብ ንምባል ብፅሒቶም ንክዋፅኡ እሓትት። ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓማውቲ ንምዕባለ ዘለና ቁርፀኝነት ብዘርእይ መገዲ 8 ነጥቢ 5 ቢየን ፈልሲ ቡን ተኺልና ኢና።

ንሰንሰለት ክብሪ ቡን ዝተሳለጠ ኣገልግሎት ሎጂስቲክስ ወሳኒ አንትኸውን፥ ክብሪ ናይ ምውሳኽ ተግባር እውን ቁልፊ ኣንፈት ጠመተ ኢዩ። ኣብ ቀፃሊ እወን ብጠንካራ ስራሕን ፈጠራን ፀኒዕና ዓወታትና ምቕፃልን ምስፋሕን ይግበአና።”

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.