Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 1 ሺሕ ሓረስቶት ኣፍረይቲ ቡን ፍሪያቶም ናብ ወፃኢ ሰደድ ይገብሩ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 1 ሺሕ ሓረስቶት ኣፍረይቲ ቡን ፍቓድ ብምውፃእ ፍሪያቶም ናብ ወፃኢ ብቐጥታ ሰደድ ይገብሩ ኣለዉ ክብሉ ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር) ገሊፆም።

ሃገራዊ ኤግዚብሽንን መድረኽ ኣፍልጦን ቡን “ቡናና ንምዕባለና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ሳይንስ ሙዚየም ተሳሊጡ።

ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር)፥ ልምዓት ቡን ኢትዮጵያ ብፅርየትን ፍሪያትን ማዕቢሉ ሸርፊ ወፃኢ ዝርከበሉ ልዑል ወሰኽ እናርኣየ ምምፅኡ ተዛሪቦም።

ኣፍረይቲ ሓረስቶት 1 ኪሎ ግራም በዓል ፍሉይ ጣዕሚ ቡን ልዕሊ 100 ሺሕ ብር  ይሽየጥ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ልዕሊ 1 ሺሕ ሓረስቶት ኣፍረይቲ ቡን ፍሪያቶም ናብ ወፃኢ ሰደድ ይገብሩ ከምዘለዉ አወን ኣብሪሆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.