Fana: At a Speed of Life!

ሳፋሪኮምን ሄሊዎስ ታዎርስን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር ተሌኮም ንምውፋር ድሌት ከምዘለዎም ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሳፋሪኮምን ሄሊዎስ ታዎርስን ኢትዮጵያ ንዘፈር ውልቀ ዘመቻቸወቶ ዕድል ንምጥቃም ድሌት ከምዘለዎም ኣፍሊጦም።

ሄሊዎስ ታዎርስ መቐመጢኡ ኣብ ለንደን ዝገበረ ኣቕራቢ ግልጋሎት ቴሌኮም እንትኸውን፥ ሳፋሪኮም ድማ ዋና ቤት ዕዮኡ ኣብ ኬንያ ዝገበረ ኣብ ምብራቕን ማእኸላይን ኣፍሪካ ዕዉት ዝኾነ ትካል ኢዩ።

ሓላፊ ፋይናንስ ሄሊዎስ ታዎርስ ቶም ግሪንውድ፥ ኢትዮጵያ ንትካሎም ሰሓቢት ዝኾነት መባፅሒት ዕዳጋ ከምዝኾነት ተዛሪቦም።

ኣብ ዕዳጋ ኢትዮጵያ ንምውፋር ድማ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ስምምዕነት ብምግባር ከምምዝተዳለዉ ገሊፆም።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኩባንያ ሳፋሪኮም ፒተር ንዴግዋ ብግደኦም፥ እቲ ትካል ምስ መዳርግቱ ብምዃን ኣብ ኢትዮጵያ ፍቓድ ንምርካብ ድሌት ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

ዘፈር ቴሌኮሙዩኒኬሽን ኣብ ዓለም ናይ ምዕባይ ዕድል ካብ ዘለዎም ኢንዱስትሪታት ሓደ ምዃኑ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣገንዚቦም።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብኢንዱስትሪ ቴሌኮም ተመረፅቲ ካብ ዝኾና ሃገራት ሓንቲ ከምዝኾነት እውን ኣብሪሆም።

እቶም ኩባኒያታት፥ ኢትዮጵያ ዘለዋ በዝሒ ህዝቢ ኣብ ዓውዲ ቴሌኮ ንኽዋፈሩ ምኽንያት ከምዝኾኖም ኣፍሊጦም።

ፍልፍል፡- standardmediaን developingtelecomsን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.