Fana: At a Speed of Life!

እስራኤል ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት 185 ዒላማታት ሂዝቦላህ ከምዝወቕዐት ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሊባኖስ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ሂዝቦላህ መጥቃዕቲ እናፈፀመት ትርከብ እስራኤል ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት 185 ዝኾኑ ዒላማታት ሂዝቦላህ ከምዝወቕዐት ገሊፃ።

ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፤ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ብእግረኛ ሰራዊት እናተኻየደ ዝርከብ ወፍሪ ከምኡ እውን መጥቃዕቲ ኣየር ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሞንጎ ሂዝቦላህን እግረኛ ሰራዊት እስራኤልን ኣብ ዝተኻደ ልውውጥ ተኹሲ ሓደ ኣዛዚ እስራኤል ከምዝተቐተለ እቲ መግለፂ ኣመልኪቱ።

እዚ ከምዚ እናሃለወ መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ብምህዳም ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሊባኖሳውያን ህይወቶም ኣብ ጎደና እናሕለፉ ከምዝርከቡ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.