ካልኣይ ዙር ስልጠና ህንፀት ዓቕሚ ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ካልኣይ ዙር ስልጠና ህንፀት ዓቕሚ ኣመራርሓ ፓርቲ በልፅግና ጀሚሩ።
እቲ ሰልጠና፥ “’የህልም ጉልበት ለእመርታዊ እድገት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ።
ካብ ፌዴራል ክሳብ ቀበሌ ዘለዉ 24 ሺሕን 851 ኣመራርሓ ኣብቲ ስልጠና ይሳተፉ ከምዘለዉ ተገሊፁ።
ኣብ ንድፈ ሓሳብን ተግባራዊ ሓቅታትን ብምድሃብ ኣብ ዝወሃብ እቲ ስልጠና፥ በቢብርኩ ዘሎ ኣመራርሓ ዓለም ለኻዊ፣ ኣህጉራዊ፣ ቀጣናዊን ሃገራዊን ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ መሳሕበራዊን ዲፕሎማሲያዊን ኩነታት ብምግንዛብ እዋኑ ዝሓለወ ውፅኢታዊ ኣመራርሓ ንምሃብ ዘኽእሎ ኢዩ ተባሂሉ።
ኢትዮጵያ ንዝጀመረቶ ጉዕዞ ብልፅግና ኣብ ሸትኡ ንምብፃሕ እቲ ኣመራርሓ ብኣተሓሳስባ፣ ፍልጠት፣ ክእለትን ስነ ምግባርን ጎሊሁ ዝተውሃቦ ሓላፍነት ብብቕዓትን ቁርፀኝነትን ንምውፃእ ዘኽእል ዓቕሚ ዘማዕብል ኢዩ ተባሂሉ።