Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክልኣይ ምዕራፍ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክልኣይ ምዕራፍ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ኣብዚ ሰሙን ከምዝተጀመረ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጠን።

ከንቲባ ኣዳነች ካልኣይ ምዕራፍ ስራሕቲ ልምዓ ኮሪደር ኣመልኪተን ንመራኸብቲ ሓፋሽ ዝርዝር መብርሂ ሂበን።

ቀንዲ ዕላማ ስራሕቲ ኮሪደርን ዳግመ ምልማዕን ኣዲስ ኣበባ ከም ሽማ ውቅብቲን ፅርይቲን፣ ንነበርታ ምችውቲን ሰሓቢትን ከምኡ እውን ናይ ዲፕሎማሲ ማእኸልነታ ተወዳዳሪነታ ክቕፅል ምግባር ከምዝኾነ ገሊፀን።

ኣብ ብዙሓት ከባቢታት እርጋን ተፀዓዒኑዎም ዜጋታት ክብሮም ብዘይምጥን መልክዑ እናነበሩ ከምዝነበሩ ብምዝኽኻ፤ እዚ ድማ ምስላ ኣዚዩ ከምዝተጎድአ ተዛሪበን።

ኮሪደርን ዳግመ ምልማዕን ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ስራሕ ምልዋጥ ከምዝከኣል ዝተርኣየሉ ጥንኩር ምትሕብባርን ባህሊ ስራሕ ዝተፈጠረሉን ከምዝኾነ ገሊፀን።

ካልኣይ ምዕራፍ ልምዓት ኮሪደር ቅድመ ምድላው ብዝምልከት ምስ ነበርቲ ዘተ ከምዝተገበረን በዚ ድማ  ኣብዚ ሰሙን ሸሞንተ ኮሪደራት ምልማዕ ከምዝጅመር ተዛሪበን።

ንተለዓልቲ ናይ ቀበሌ ገዛ መተካእታ ከምዝተሰናድኡ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ንነበርቲ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነብሩሉ ኣዚዩ ዝሐሸ ከምዝኾነን ንውልቀ ኣባይቲ እውን ኣድላዪ ካሕሳ ከምዝተሰናደአ እተን ከንቲባ ኣፍሊጠን።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.