Fana: At a Speed of Life!

ንጣቢያ መከፋፈሊ ኣኽሱም ተወሳኺ ትራንስፎርመር ንምትካል ምድላው ይግበር ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣኽሱም ኣብ ዘሎ 230 ኪሎ ቮልት ጣቢያ መከፋፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተወሳኺ ትራንስፎርመር ንምትካል ምድላው ይግበር ከምዘሎ ኣብቲ ትካል መተሓላለፊ መስመርን መከፋፈሊ ጣቢያታትን ዓውዲ ኦፕሬሽን ገሊፁ።

ኣብቲ ዓውዲ ኣካያዲ ስራሕ መከፋፈሊ ጣቢያን መተሓባበሪ ሪጂናትን ኣይተ ዘውዱ ኣስማረ፥ ኣብቲ መከፋፈሊ ጣቢያ 125 ሜጋ ቮልት ኣምፔር ዓቕሚ ዘለዎ ተወሳኺ ትራንስፎርመር ንምቕማጥ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም፤

እቲ ትራንስፎርመር ንምትካል ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝተፈላለዩ ናውቲታት እቲ ትራንስፎርመር ካብ ዝነበርሉ ጣቢያ መከፋፈሊ ዓድዋን ትራንስፎርመርን ናብ ከተማ ኣኽሱም ጣቢያ መከፋፈሊ ናይ ምጉዕዓዝ ስራሕ ሎሚ ከምዝተጀመረ እውን ተዛሪቦም።

እቲ ትራንስፎርመር እንትትከል፥ ካብ መቐለ-ዓድዋ-ኣኽሱም በዓል 132 ኪሎ ቮልትን  ካብ ተከዘ-ኣቕሱም በዓል 230 ኪሎ ቮልትን ዘሎ መስመር ብቀለበት ስርዓት ብምትእስሳር ግሪድ ሲስተም ንምጥንኻር ዝሕግዝ ኢዩ ኢሎም።

መከፋፈሊ ጣቢያ ኣኽሱም ካብ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ 50 ሜጋ ቮልት ኣምፔር ዓቕሚ ዘለዎ ሓደ ትራንስፎርመር ኣገልግሎት እናሃበ ከምዝርከብ ተገሊፁ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.