Fana: At a Speed of Life!

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንብዙሓት ትካላት ኣርኣያ ዝኾኑ ስራሕቲ ልምዓት እናወገነ ይርከብ – ሌ/ጄ ይልማ መርዳሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ዝተውሃቦ ሃገራዊ ሓላፍነነት ሓሊፉ ንብዙሓት ትካላት ኣርኣያ ዝኾኑ ስራሕቲ ልምዓት እናወገነ ምዃኑዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሌተናል ጄነራል ይልማ መርዳሳ ገሊፆም።

ሌተናል ጄኔራል ይልማ መርዳሳ ሰልጠንቲ ምትእንጋድ በረራ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ላዕለዋይ መምርሒ ሓይሊ ኣየር ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም።

እቶም ዋና ኣዛዚ ኣብቲ እዋን÷ ሃገርን ትካልን ንምህልጋል ቅድሚት ንስምዒት ፍቕሪ ሃገር ምስ ዕላማ ፅንዓት ክላበስ ምግባርን ሕድሕድ ምትሕግጋዝን ባህሊ ምግባር ከምዝግባእ ገሊፆም፡፡

ኣብቲ ዕለት ሰልጠንቲ ምትእንጋድ በረራ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ተዘዋዊሮም ከምዝጎብነዩ ሓበሬታ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል የመላኽት፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.