Fana: At a Speed of Life!

ኣዲስ ኣበባ መብፅሒት ቱሪስት ካብ ዝገበሩዋ በዓላት ሓደ ኢሬቻ ኢዩ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣዲስ ኣበባ መብፅሒት ቱሪስት ካብ ዝገበሩዋ በዓላት ሓደ ኢሬቻ ኢዩ ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

እተን ከንቲባ በዓል ኢሬቻ ኣመልኪተን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም፤ በዓል ኢሬቻ ፀልማት ክረምቲ ሓሊፉ ናብ ብርሃን እንትሰጋገር ተፈላሊዩ ዝፀንሐ ኩሉ ዝራኸበሉ መግለፂ ሓድነትን ሕውነትን በዓል ኢዩ ኢለን።

ኢሬቻ ሓደ ዓምዲ ስርዓት ገዳ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ተምሳሌት ምስጋና፣ ሓድነት፣ ሰላም፣ ዕርቂን ይውሬታን፤ ዝተረሓሓቐ ዝራኸበሉ በዓል ከምዝኾነ እውን ኣገንዚበን፡፡

ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዓለም ለኸ ማእኸል ስሕበት፣ መብፅሒት ቱሪስት እናገበሩዋ ካብ ሞንጎ ዝርከቡ በዓላት ሓደ ኢሬቻ ከምዝኾ ብምሕባር፤ እቲ በዓል ንምትእስሳር ህዝቢ፣ ሕብረትን ኢኮኖሚያዊ ምዕባለን ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎ ገሊፀን፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.