Fana: At a Speed of Life!

ዝቕፅል ሰኑይ ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ክልቲኦም ኣቢያተ ምኽሪ ክካየድ ኢዩ

ዝቕፅል ሰኑይ ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ክልቲኦም ኣቢያተ ምኽሪ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ስነ-ስርዓት መኽፈቲ 6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን 4ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 27 መስከረም 2017 ዓ.ም ከምዝካየድ ተገሊፁ፡፡

ብሕገ-መንግስቲ ፌዴሪኢ ዓንቀፅ 58 ንኡስ ዓንቀፅ (2) መሰረት 6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 4ይ ዓመት ዘበን ስራሕ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ፕሬዚዳንት እቲ ሪፐብሊክ ኣብ ዝተረኸባሉ 27 መስከረም 2017 ዓ.ም ካብ ቀትሪ ሰዓት 8 ጀሚሩ ክካየድ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣብ መሕፈቲ ስነ-ስርዓት÷ ፕሬዚዳንት እቲ ሪፐብሊክ ንክልቲኦም ኣቢያተ ምኽሪ ዓመታዊ ስራሕ ከምዝጀመሩ ብምብሳር ዓመታዊ ትልሚ መንግስቲ ፌደራል ከቕርባ ኢየን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.