Fana: At a Speed of Life!

ኪሊያን ምባፔ ብጉድኣት ካብ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳይ ወፃእ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈረንሳይ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ምስ እስራኤልን ቤልጂየምን ኣብ ትገብሮም ፀወታታት ሃገራት ኣውሮፓ ንኪሊያን ኤምባፔ ኣብ ስብስባ ኣየካተተቶን፡፡

ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳይ ዲዲየር ዴሾ እታ ጋንታ ኣብዚ ወርሒ ንዝህልዉ ክልተ ፀወታታት ዝካተቱ ዝርዝር ተፃወትቲ ዕላዊ ገይሮም።

ኣብቲ ዝርዝር ኪሊያን ኤምባፔ ብጉድኣት ምኽንያት ከምዘይተኻተተ ተሓቢሩ።

ኣሰልጣኒ ዲዲየር ዴሾ ተፃዋታይ ጋንታ ባየርን ሙኒክ ሚካኤል ኦሊሴ አብ ስብስቦም ከምዘካተቱ ተገሊፁ፡፡

ወሳኒ ተፃዋታይ እታ ሃገራዊት ጋንታ ዝነበረ ኣንቷን ግሬዝማን ንባዕሉ ካብ ሃገራዊ ጋንታ ፀወታ ምግላሉ ይዝከር፡፡

ፍልፍል፡- ዘ ኢንዲፔንደንት

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.