Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ኮሚቴ ምውዳድ ሚኒስትራት ብሪክስ ኢትዮጵያ 3ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ኮሚቴ ሚኒስትራት ብሪክስ ኢትዮጵያ ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ።

ኣብቲ ኣኼባ ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ብሪክስ ዘለዋ ተሳትፎ ስትራቴጂ፣ ላዕለዋይ ኮሚቴ ሰብ ሞያ ዘካየዶ ኣብዚ ዓመት ኢትዮጵያ ኣብ ብሪክስ ዝነበራ ተሳትፎ ከምዝተገምገመን ኢትዮጵያ ዝተሳተፈትሎም ክልተ ኣኼባታት ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ዝምልከት ፀብፃብን ብምድሃብ ዘተ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ፀብፃባት ሴክሬታሪያት ብሪክስን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ሩሲያ ብዛዕባ ዝካየድ ጉባኤ መራሕቲ ምድላው ተሳትፎ ኢትዮጵያ ዝጠመተ ሰፊሕ ዘተ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ፡፡

ዋና መተሓባበሪ ኢትዮጵያ ኣብ ብሪክስ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኣይተ ማሞ ምህረቱ÷ ማዕቐፍ ብሪክስ ብሄራዊ ረብሓታት ኢትዮጵያ ንምሕላው ተወሳኺ ልዑል መድረኽ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣባል ብሪክስ ካብ ትኸወቅን ጀሚራ ብሄራዊ ረብሓታታት ኣብ ዝሕልዉ ናይቲ ማዕቐፍ መድረኻት ብንቕሓት ከምዝተሳተፈት ኣብሪሆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.