Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ 5 ሺሕን 300 ተምሃሮ ተቐቢሉ ንምምሃር ከምዝተሰናደአ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2017(ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብዚ ዓመት 5 ሺሕን 300 ተምሃሮ ቅድመ ስሩዕ ተምሃሮ ብምቕባል ንምምሃር ከምዝተሰናደአ ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ጄሎ ኡመር (ዶ/ር) ኣፍሊጦም።

መእተዊ ነጥቢ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣመዝጊቦም ብመንግስቲ ሙሉእ ወፃኢ ዝመሃሩ 4 ሺሕ 402 ተምሃሮ ንውድድር ተመዝጊቦም 2 ሺሕን 660 ፈተና ከምዝሓለፉ ገሊፆም።

ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ነጥቢ ብምምፃእን ባዕሎም ከፊሎም ንምምሃር ካብ ሞንጎ ዘመልከቱ 7 ሺሕን 537 ተሃሮ ድማ 2 ሺሕን 640 ተምሃሮ መእተዊ ፈተና ከምዝሓለፉ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ብመሰረት እቲ ሓዱሽ መለክዒ ምቕባል ተምሃሮ÷ ደቂ ኣንስትዮን ጉድኣት ኣካልን ብፍሉይ ኩነታት ተጠቀምቲ ዝገብሩ ኣሰራርሓታት እናተተግበሩ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.