Fana: At a Speed of Life!

ኢሬቻ ፈጣሪ ንፍጥረታት ዝገበሮ ኩሉ ምስጋና ዝቐርበሉ ናይ ሰላምን ሕውነትን በዓል ኢዩ – ኣባገዳታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢሬቻ ፈጣሪ ንፍጥረታት ዝገበሮ ኩሉ ምስጋና ዝቐርበሉ ሰላምን ሕውነትን ብዝበለፀ ዝጠናኸረሉ በዓል ከምዝኾነ ኣባገዳታት ገሊፆም።

በዓል ኢሬቻ ምስ ምስ ስርዓት ገዳ ጥቡቕ ምትእስሳር ዘለዎ እንትኸውን÷ ህዝቢ ኦሮሞ ምድሪን ሰማይን ንዝፈጠረ ፈጣሪ ዋቃ ምስጋና ዘቕርበሉ በዓል ኢዩ።

ኣባ ገዳታት ከምዝብሉዎ÷ ኢሬቻ ኣብ እዋን ክረምቲን ፀልማት ዝነበረ ኣፀጋሚ ወርሒ ከምዝሓለፈን ፀሓይ እንትትወፅእ ብርሃን እንትትረአ ምስጋና ዝቐርበሉ በዓል ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡

ፀሓፊ ሕብረት ኣባ ገዳታት ኦሮሞ ኣባገዳ ኣብዱራዛቅ ኣህመድ÷ ህዝቢ ኦሮሞ ከበድቲ ናይ ክረምቲ ኣዋርሕ ዘሕለፈ ፈጣሪ ናብ መልካ ብምውራድ ከምዘመስግንን ብንፁህ ልቦና ይቅርታ ከምዝሓትትን ኣብሪሆም።

ይቕረ በሃላይነትን ምምስግጋንን ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ንኽህሉ “ቂም ቋፂርካ ናብ  ኢሬቻ ቦታ ኣይኽየድን” ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.