Fana: At a Speed of Life!

ም/ቀ/ሚ ተመስገን ሕድሳት ነበር መንበሪ ቢትወደድ ሃ/ጊዮርጊስ ወ/ሚካኤል ጎብኒዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ንማእኸል ባህሊን ትምህርቲን ጣይቱ ዝተዳለወ ሕድሳት ነበር መንበሪ ቢትወደድ ሃ/ጊዮርጊስ ወ/ሚካኤል ጎብኒዮም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “መንበሪ ቤቶም ዝተሃነፀሉ ቅድሚ 119 ዓመት ኢዩ፣ ቅርሲ ሃፍትና ኢዩ፣ ግን ከልተ ነገር ይደሊ፣ ምፅናሕን ምዝማንን” ክብሉ ገሊፆም።

ምፅናሕ ማለት ንትውልዲ ምትሕልላፍ ብምግባር ምፅጋንን ምውቃብን ኢዩ ብምባል፥ ምዝማን ማለት ድማ ሐዚ ንዘሎን መፃእን ትውልዲ ንከገልግል ብምግባር ምምዕርራይ ኢዩ ኢሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.