Fana: At a Speed of Life!

ኢሬቻ ብድሙቕ ኩነታት ንክኽበር ኣካላት ፀፅታን ናብ ስራሕ ከምዝኣተዉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢሬቻ ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ቢሸፍቱን ብድሙቕ ኩነታት ንክኽበር ኣካላት ፀፅታን ናብ ስራሕ ከምዝኣተዉ ተገሊፁ።
ኣካላት ፀፅታን ድሕንነትን ኣከባብራ መስቀል ደመራ ገምጊሞም።
ድሕሪ እቲ ገምጋም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ በዝተገበረ ዝተዋደደ ኦፕሬሽን እቲ በዓል ንምትዕንቓፍ ዝንቀሳቀሱ ዝነበሩ ኣባላት ግብረ ራዕዲን ፅንፈኛን እኩይ ዕላመኦም ከምዝፈሸለ ገሊፆም።
ብመሰረት እዚ ምስ ኣፅዋራት ኲናት፣ ቦምብን ደንቢ ክዳን ኣካላት ፀፅታን ኣብ ቁፅፅር ዝወዓሉ ኣካላት ምርመራ የግበረሎም ከምዘሎ ምግላፁ ኣብ ፖሊስ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ዕለተ ቀዳም 25ን 26ን መስከረም 2017 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባን ቢሸፍቱን ዝኽበሩ በዓላት ሆራ ፊንፊኔን ሆራ ኣርሰዲን ኢሬቻ ክብሮም ሓሊዮም ንክኽበሩ ብዘበናዊ ቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ሓይሊ ፀፅታ ምውፋሩ ተሓቢሩ።
ስለዝኾነ ኢሬቻ ብድሙቕ ኩነታት ንክኽበር ኣካላት ፀፅታን ናብ ስራሕ ከምዝኣተዉ ተገሊፁ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.