Fana: At a Speed of Life!

ፓርክ ኢንዱስትሪ ኣዳማ ብ300 ሚሊየን ዶላር መስፋሕፍሒ ህንፀት ክግበረሉ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርክ ኢንዱስትሪ ኣዳማ ብ300 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ካልኣይ ዙር መስፋሕፍሒ ህንፀት ንምግባር ምድላ እናዛዘመ ከምዘኾነ ገሊፁ።

ምክትል መካየዲ ስራሕ እቲ ፓርክ ኢንዱስትሪ ኣይተ ግርማ ቱፋ÷ ኣብ ቀዳማይ ዙር ዝተሳለጠ እቲ ፓርክ ኢንዱስትሪ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሙሉእ ብሙሉእ ብሰብ ሃፍቲ ተታሒዙ ኢዩ ኢለን።

ኣብዚ ዓመት ህንፀቱ ዝጅምር ካልኣይ ምዕራፍ ህንፀት እቲ ፓርክ ኢንዱስትሪ ኣብ ልዕሊ 120 ሄክታር መሬት ዝዓርፍ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ብ300 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝውገን ገሊፆም፡፡

እቲ ህንፀት ካብ ቻይና ግዝኣት ሁናን ዝመፅኡ ሰብ ሃፍቲ ንምዝማር ኣብ ንርድዳአ ከምዝተበፅሐን ህንፀት ንምጅማር ስራሕቲ ምድላው እናተዛዘሙ ከምዝኾኑ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.