Fana: At a Speed of Life!

ሰሜንኮሪያ ምስ ደቡብኮሪያ ዘራኽባ ዝነበረ ቤትፅሕፈት ኣዕኒያቶ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሰሜንኮሪያ ምስ ደቡብኮሪያ ዘራኸባ ዝነበረ ቤትፅሕፈት ከምዘዕነየቶ ሰብመዚ ደቡብ ኮሪያ ገሊፆም።

እቲ ቤትፅሕፈት ክልቲኣት ሃገራት ንምርኻብ ብዝብል’ዩ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2018 ተጣይሹ።

ሰሜን ኮሪያ ናብቲ ኣብ መንጎአን ዝርከብ ካብ ወታሃደራዊ ህላወ ናይ ክልቲአን ኮርያታት ናፃ ዝኾነ ዞባ ሰራዊታ ከምእትልእኽ’ውን ኣጠንቒቃ።

እዚ መጠንቀቕታ ድሕሪ እቲ ኣብ ደቡብ ኮሪያ ዝርከቡ ጉጅለታት ናይ ፕሮፖጋንዳ ሓበሬታ ንሰሜን ኮሪያ ምስ ለኣኸ’ዩ ዝኸውን ዘሎ።

ሓፍቲ መራሒ እታ ሃገር ኪም ዮ ጆንግ፥ እቶም ሰራዊት ኣብ ተጠንቐቕ ክፀንሑ ትእዛዝ ከምዝሃበት ኣፍሊጣ።

ሰራዊት እታ ሃገር’ውን ኣብቲ ካብ ወተሃደራዊ ህላወ ነፃ ዝኾነ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ክኣቱ ድለው ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ሰሜን ኮሪያ ብባሉን ዝለኣኽ ናይ ፕሮፖጋንዳ ሓበሬታታት ነቲ ኣብ መንጎኣን ዘሎ ወጥሪ ከጓሃሃር ፀኒሑ’ዩ።

ደቡብ ኮርያ ብግደኣ፥ ነቲ ኩነታት ምስ ኣሜሪካ ኮይና ብቐረባ ትከታተሎ ከምዘላ ሓቢራ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 1950 ክሳብ 1953 ብዝተኸየደ ደማዊ ውግእ ናብ ክልተ ዝተገምዐት ሓውሲ ደሴት ኮሪያ፥ ኣብ መንጎአን ካብ ወታሃደራዊ ህላወ ናፃ ዝኾነ ዞባ ፈጢረን’የን።

 

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.