Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ 3 ሰባት ቫይረስኮሮና ተረኺብዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 24 ስዓታት 393 ሰባት ምርመራ ላብራቶሪ ዝተገበረ እንትኸውን፥ ሰለስተ ደቂ ተባዕትዮ ቫይረስኮሮና ከምዝተረኸበን ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ዕድሚኦም ካብ 27 ክሳብ 45 ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

ብኻሊእ መዳይ ኣብ መሐከሚ ማእኸል ሰቲት ሑሞራ ካብ ዝነበሩ ሰለስተ ቫይረስ ኮሮና ዝነበሮም ሎሚ ዕለት ድሒኖም ወፅኦም ኣለው።

ብዝተገበረሎም ምርመራ ቫይረስኮሮና ዝተረኸቦም ወገናት ሓደ ኣብ ማይ ካድራ፣ ክልተ ድማ ኣብ መቐለ ኮይኖም ኩሎም ጉዕዞ ታሪኽ ወፃኢ ዓዲ ዝነበሮምን ኣብ መወሸቢ ማእኸል ዝነበሩን እዮም።

ብድምር ክሳብ ሕዚ ኣብ ትግራይ 6 ሺሕን 108 ምርመራ ቫይረስኮሮና ዝተገበረሎም እንትኾኑ፥ ካብቶም ዝተመርሩ ሰባት 156 ቫይረስ ኮሮና ተረኺብዎም እዩ።

ካብዚኦም 141 ኣብ መሐከሚ ማእኸል እንትርከቡ ካብዚኦም ሓደ ካብ ኣዲስ ኣበባ ምርመራ ገይሩ ኣብ መቐለ መሐከሚ ማእኸልዘሎ ኢዩ።

10 ድማ ካብ ትግራይ ወፃኢ ክትትል ሕክምና እናገበሩ ይርከቡ።

ክሳብ ሕዚ 15 ሰባት ካብ ቫይረስ ኮሮና ዲሒኖም ወፂኦም እዮም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.