Fana: At a Speed of Life!

ማንቼስተር ሲቲን ኒውካስል ዩናይትድን ማዕረ ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል ሻድሻይ ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ማንቼስተር ሲቲን ኒውካስል ዩናይትድን ማዕረ ተፈላሊየን።

እቲ ፀወታ ሰዓት 8፡30 ድሕሪ ቀትሪ ዝተኻየደ አንትኸውን፥ ዮስኮ ጋቫርዲዮል ብዘቑፀራ ሸቶ ማንቼስተር ሲቲ ነቲ ፀወታ መሪሓ ነይራ።

ይኹን እንበር ድሕሪ ዕረፍቲ ኣብ ዝነበረ ፀወታ ኣንቶኒ ጎርደን ብፍፁም ቅላዕ ሸቶ ብምቑፃሩ ማዕረ ኮይነን።

ብመሰረት እዚ ማንቼስተር ሲቲን ኒውካስል ዩናይትድን ማዕረ ዝተፈላለያ እንትኾና፥ ማንቼስተር ሲቲ ክሳብ ሐዚ ኣብ ዝገበረቶም ፀወታታት 14 ነጥብታት ብምውህላል ነቲ ፕሪሚየር ሊግ ትመርሖ ኣላ።

ቀፂሉ ኣብ ዝካየድ መርሃ ግብሪ መበል ሻድሻይ ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ፥ ኣርሰናል ምስ ሌስተር ሲቲ፣ ብረንትፎርድ ምስ ዌስትሃም፣ ቼልሲ ምስ ብራይተን፣ ኤቨርተን ምስ ክሪስታል ፓላስ፣ ኖቲንገሃም ፎረስት ምስ ፉልሃም፣ ወልቭስ ምስ ሊቨርፑል ፀወተአን ከካይዳ ኢየን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.